Göranssonska stiftelserna – ንተቐማጦ ነበርቲ ምምሕዳር ከተማ Sandviken ይሕግዝ
ንሕና ኣብ Sandviken መዓልታዊ ናብራን ናይ ነዊሕ እዋን ህይወት ንምምሕያሽ ዝብል ዕላማ ዘለና ክልተ ትካላት
ረዲኤት ኢና። ስለዚ ኢና ድማ ነቶም ብሰንኪ ሕማም ወይ እርጋን ጡረታ ዝወጹ ሰባት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳር
ከተማ Sandviken ንዝርከባ ማሕበራትን ትካላትን ገንዘባዊ ደገፍ እንገብር።.
ጡረታ ዘይወጻእካ ግን ከኣ ኣብ ኣፍራዪ ክሊ ዕድመ ዘለኻ (ኣብ ዝለዓለ ኣካላዊ፣ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥንካረ
ዘለኻ) እሞ ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾንካ – ምስ Stiftelsen den Göranssonska fonden ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ብምጥዋቕ ኣብዚ ወብሳይት እተዉ ↗︎ ኣብ መርበብ
ሓበሬታኦም ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።
መን ካባና ደገፍ ክረክብ ይኽእል?
ካብዞም ዝስዕቡ እንተኾንካ ንገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፤
- ብሰንኪ ሕማም ወይ እርጋን ጡረታ ዝወጸ ከምኡ ውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ Sandviken ዝቕመጥ እንተኾንካ
- ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ንኻልኦት ሰባት ዝሕግዝ ማሕበር ወይ ትካል እንተኾንኩም
እንታይ ዓይነት ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል?
- ጡረተኛ እንተኾንካ፤ ኣብነታት፣ ንመነጽር፣ ክንክን ስኒ፣ ናይ ሓጋይ ክዳውንቲ፣ ንኣቕሑ ገዛ ወይ ኣብ ገዛ ንዝግበር
ሓገዝ ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ የጠቓልል። ኩሎም መመልከቲታት ብመሰረት ድሌት ክግምገሙ እዮም። ብሓፈሻ ክሳብ ኣስታት 15 ሽሕ ክሮነር ዝበጽሕ መመልከቲ ንቕበል። - ማሕበር እንተኾንኩም፤ ንናይ ካልኦት ሰባት ህይወት ዘመሓይሹ ንጥፈታት፣ ንብረታት ወይ ተበግሶታት ዝኸውን
ገንዘባዊ ደገፍ።
! ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣገዳሲ ነገር

ከመይ ጌርኩም ከም ተመልከቱ?
መመልከቲ ብመንገዲ ዲጂታላዊ መተግበሪና ክለኣኽ ይከኣል። ናይ ባንኪ መለለይኹም (BankID) ተጠቂምኩም ብምእታው፣ ነቲ ቅጥዒ መሊእካ ኣድለይቲ ሰነዳት ኣተሓሕዝ – ንኣብነት፣ ናይ ባንክ መግልጺ ወይ ፋክቱር። ኣብዚ እዋን እዚ፣ እቲ መተግበሪ ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዝርከብ። ነቲ ቅጥዒ ንምርዳእ ወይ ንምምላእ ሓገዝ ምስ እትደልዩ፣ ቅድሚ ክትመልኡ ምጅማርኩም ርኸቡና ንሕና ድማ ክንሕግዘኩም ኢና።
ሕጂ ኣመልክትብቋንቋኻ ሓገዝ ክትረክብ ትደሊዲኻ?
ተርጓሚ ወይ ዝኾነ ነገር ከረድኣካ ሓደ ሰብ ምስ እትደሊ ርኸበና፤ ክንሕግዘካ ድሉዋት ኢና!
ቴሌ፤ 026-23 57 60 (ሰኑይ-ሓሙስ 10:30-11:30)
ኢመይል፤ info@goranssonska.com
ኣድራሻ፤ Hedåsvägen 55 A, Sandviken